+251924381169  info@haqi.org
Follow us

ናብ ሓቂ እንዃዕ ብደሓን መፁ

ሓቅን ተስፋን ዘብርህሉን፣ ሕያውነት ዘልኣለማውነት ዝኾነሉን!


​ 

                                                                                                                                                                                                                                                     


ብዛዕባ ሓቂ ሰረት

ሓደ ቁጠባ መሊስካ ንምህናፅ ዝበለፁ ሓሳባት ከም ዘድሊ ካብ ዝኾነ ሰብ ዝተሓበአ አይኮነን። ካብመጠኑ ሰፊሕ ዝኾነ ዕንወት ንምሕዋይን ኹሉ ዝሓቆፈን ናይ ኹሉ ሰፊሕ ተሳታፋይነት ይጠልብ። ሓቂ ሰረት ኣብ ብመረዳእታ ዝተደገፉ ሓሳባት ብምስራሕ ትግራይ ናብ ዝነበረትሉ ንምምላስን ብዝሐሸ መልክዑ ንምህናፅን ዓሊሙ ዝተዳለወ መድረኽ እዩ።

ጥረ ትርጉም ሓቂ (HAQI) ዝብል ቃል ሓቂ ማለት እንትኸውን ካብ ፈለማ እቲ ቃል መፀውዒ ንክኸውን ካብ ዝተወሰነሉ እዋን ንዳሓር ንሓቂ ንሕድሕድ ፊደል ሓንቲ ቃል ብምሃብ ምሕፃረ ቃሉ ሰብኣዊነት፣ ብልሒነት፣ ጽርየትን ቅንዕነትን ዝሓዘ እዩ።

ሓቂ ሰረት ብጥበብ ኢሂን ሚሂን ተባሃሂልና ብንምህዞም ሜላታትን ስራሕትን ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ትግራይ ንምርጋግፅ ግዱሳት ተጋሩ ዝፈጠርዎ መድረኽ እዩ። ስለዚ ድማ ሓቂ ሰረት ዓበይቲ ሓሳባት ዝህቀኑሉን ዝትግበሩሉን ሰረት ንክኸውን ኩሎም ሓሳብ ዘለዎም ተጋሩን ፈተውቲ ትግራይን ምሳናን ክሰርሑ ንዕድም።

 

መናዕትታትና

2
ዓመታት 
3+ 
ለገስቲ 
3 
ፕሮጀክትታት 

Mental Health Training


ኲናት ትግራይ ኣብ ልብን ኣእምሮን ናይ ማእለያ ዘይብሎም ሰባት ዓᎁቕ በሰላ ገዲፉ እዩ። እቲ ብሰንኪ እቲ ግጭት ዝመፅእ ስንባደን ስምዒታዊ ጭንቀትን ህፁፅ ቆላሕታ ይሓትት። ድሕሪ ኲናት ኣብ ምሕዋይ ጥዕና ኣእምሮ ምፍታሕ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምግንዛብ፡ ሓቂ ሰረት ነዞም ተኣፈፍቲ ድሌታት ንምምላእ ፍሉይ መደብ ንምቛም ተበግሶ ወሲዱ ኣሎ።
ብክኢላታት ጥዕና ስነ ኣእምሮ ሓቂ ዝተውሃቡ ስልጠናታት
1. ናይ ግብረ ሰናይ ወለንተኛታት ደቂ ኣንስትዮ  (በዝሒ 10) ናይ 5 መዓልታት ስልጠና ኣብ PFAን Psychosocial supportን።
2. ሚኒስትሪ እቶት (360 ሰልጠንቲ) ን2 መዓልቲ ኣብ 2 ክፍለ ግዜ ስነ-ልቦናዊ ፈውሲን ስንባደን Informed care
3. ጉምሩክ ከባቢ 216 ሰልጠንቲ ን2 መዓልቲ ኣብ 2 ክፍለ ግዜ።




ስራሓውትታትና

ሓቂ ሰረት ኣዝዮም ብዙሓት፥ ዝተፈላለዩን ሰፋሕትን  ፕሮጀክትታትን ምንቅስቃሳትን ክህልዎ ከምዝኽእል ንግምት። ኾይኑግና ሓቂ ከም መበገሲ ብቱኽረት ዝንቀሳቀሰሎም ቀንዲ ሓሳባት እዞም ዝስዕቡ እዮም  

Your Dynamic Snippet will be displayed here... This message is displayed because you did not provided both a filter and a template to use.

1. ሓልዮት ንሰብ ሞያ ጥዕናን ትምህርትን

ሓልዮትን ዝገብሩ ሰብ ሞያ ሓልዮት ምግባር ካብ ቶም ዝለዓሉ ክብርታት ሓደ እዩ!” ትያዎከር፣ ተመራማሪ

ፕሮጀክት ‘ሓልዮት ሓልዮትን ዘገብሩ ሰብሞያ’ ” ፡- ብሰንኪ ኲናት አብ ሰብሞያ ጥዕናን ትምህርትን ናይ ስነ-አእምሮን አካላዊን ጉድአት ሓዊሱ፤ ናይ ግልጋሎት ምትኡጉጓል አብ ልዕሊ ሓልዮት ዝህቡ ሰብሞያ ፀቅጥን ክብደትን ከምዘብፅሐን ምፍላይ ዝዓለመ ፅንዓት እዩ። ብመሰረት ውፅኢት ናይዚ መፅናዕቲ ድማ ዝተፈላለዩ መርሃ ግብርታት ወይ ትልምታት ብምሕንፃፅ ነቲ ናይ ሕውየት ከይዲ ብምሕጋዝ ናይ ውልቆም ድሕንነት፤ ከምኡውን ናይ ተሓከምቲ፣ ተምሃሮን ካልኦት ብሰንኪ እቲ ኲናት ዝተጎድኡ ወገናት ናይምሕጋዝን ዓቅሞም ንምጥንኻር ዝዓለሙ ስራሓውቲ ዝሰርሕ  ፕሮጀክት እዩ።

2. መንገዲ ሕውየት

(መንገዲ ሕውየት)

ካብ ናይ ባዕሉ ጌጋታት ዝማሃር ዓሻ ጥራይ እዩ። ንፉዕ ሰብ ግን ካብ ካልኦት ይማሃር ።” ኦቶቫን ቢስማርክ

ንፖሊሲ ዝርርባትን ናይ ህዝቢ ትግራይ ማሕበራውን ቁጠባውን ዓቅሚ ብዝሓሸ መልክዑ ንምህናጽ መሕቆፊ ንምድላው ተሪር ሰረት ዘለዎ ካብ ካልኦት ብተመሳሳሊ መስካሕካሓይ ብዝኮነ ኲናት ሓሊፎም ዕዉት ዝኮነ ናይ ቁጠባ ሕውየት ዝገበሩ ሃገራት ክምዕብል ይኽእል እዩ። እዚ ፕሮጀክት ካብ ካልኦት ልምድታትትምህርትታትን ቤንችማርኪንግ ብምብጋስ  ቁጠባ ትግራይ  ብዝሐሸ መልክዑ መሊስካ ንምህናፅ ዝጠቅሙ ስልጠናን ትልምታትን ኣብ ምፍላይ ይርከብ።

3. ሰጋር ስኮላርሺፕ

ንሓደ ሰብ ዓሳ እንተሂብካዮ ንሓንቲ መዓልቲ ትምግቦ፤ ምስጋር ዓሳ እንተዳኣ ኣምሂርካዮ ግን ዕድመ ልክዑ ትምግቦ።” ላኦዚ

ዓላማ ናይዚ ፕሮጀክት መናእሰይ ትግራይ ናይሓፂርን ነዊሕን ነፃ ናይ ትምህርቲ (ስኮላርሺፕ) ዕድላትን ስልጠናታትን ንኽረኽቡ ናይ ምኽርን መረዳእታን ግልጋሎታት ብምሃብ ናይቲ ክልል ናይ ሓይሊ ሰብ ዓቅሚ ንምዕባይ እዩ።
 

  ትኩሳት ዜናታትን ምልክታታትን

Mental Health and Psycho-social Support (MHPSS) Training for Ethiopian Red Cross Society Staff and Volunteers
ተወሳኺ የንብቡ
Mental Health Training for Bureau of Lands and Minerals Staff in Tigray Post-Crisis
ተወሳኺ የንብቡ
HAQI Foundation Launches Toll-Free Helpline for Psychosocial Support in Tigray
ተወሳኺ የንብቡ
                                                                                    ተወሰኽቲ ዜናታት


ትምኒተይ ንትግራይ

ታይ ዓይነት ሰብ ምዃንካ ንክነግረካ ናይ ቀፃሊ ራእይኻ ንገረኒ ” — ፍሬድ ፖላክ

አብ ዝኮነ ክፋል ዓለም ዝራእኹሞም ወይ ድማ ዘጋጠሙኹም  ነገራት  አብ ትግራይን ኽፍፀሙ ዝትምነይዎ ይህልዉ ዶ ይኾኑ?  “ እዚ ፈፂሙ አብ ትግራይ ከጋጥም የብሉን” ዝበልኩሞም ዝትዓዘብኩሞም ኩነታት አለዉዶ? ንትግራይ እንታይ ትምነየላ/ትምነዪላ? ማሕበራውን ቁጠባዊን ዕብየት?  ፅርየት ዘለዎ ትምህርትን ናይ ጥዕና ግልጋሎትን ንኹሉነባራይ? ናይ ሓድነት ስምዒት ዘለዎ ተሪርን ንቁሕን ማሕበረሰብ? ብናይ እግሪ መጕዓዝያ ብፀሓይ ፓነላት ዝተሓፀሩ መንገድታት? ብ10 ዕፅፊዝበለፀ ውፅኢታዊ ዝኾነ ናይሕርሻ ልምዓታት? ንኹሉ ማሕበረሰብ ናይ ፅሩይ ዝስተማይ አቅርቦትን መሰረታዊ ድልየታት ንምምላእ? መናእሰይ ክእለቶም ንከማዕብሉ ዕድላት፣ ሰላም ንምርግጋእን?

ኣብ ትግራይ እዚ ነገር እዚ ክረአ ይምነ እየ እትብሉዎ፣ ዝረኣይዎ ወይድማ ዝሓሰብዎ ይንገሩናሞ ምሳና በምትሕግጋዝ ሓቢርና ብምስራሕ ኣብ ትግራይ ለውጢ ንምምፃእ ሓቢርና መንገዲ ንኣልሽ።

ቆልዑ ትግራይ

ንደቅና ግርማ ሞገስ ዘለዎን ተስፋ ዝተመልኦን ቀጻላይ ግዜ ክነመቻች ወሎም ሓላፍነት ኣለና ።” — ጆርጅዮ ናፖሊታኖ

ቆልዑ ትግራይ ፅርየት ዘለዎ ሂወት ዝመርሑሉ፣ ፅርየት ዘለዎ ትምህርቲ ዝረኽቡሉ፣ ፅርየት ዘለዎ ናይ ጥዕና ግልጋሎት ዝረኽቡሉ፣ ዓቅሞም ዘዕብይሉ ዘተኣማምንን ዝተረጋግአ ንባይታ ይግበኦም። ንዞም ህፃናት እዚኦም ዝሐሸ ዓለም ንምፍጣር ሓቢርና ንስራሕ።

 
ንደቅና ዝበለፀ ወይድማ ዝሓሸ ዓለም ንምፍጣር ሓሳቦም የካፍሉ!

ታሕጓስ

መምህር ኣብ ዘለኣለማውነት ወሳንነት ኣለዎ። ተሰማዕነቱ ኣበይ ጠጠው ከም ዝብል ድማ ፍጹም ኣይዛረብን።” — ሄንሪ ኣዳምስ

ብሰንኪ ኲናት ትግራይ ዝተጎድኡ መምህራን ድሕንነት ንምሕላውን ንምዕባይን ዝዓለመ ትልሚ ወይ ድማ መርሃ-ግብሪ እዩ። ዕላማና መምህራን ኣብ ዉልቆምን ሞያዊ ህይወቶምን ልዑል ዝኾነ ምልዕዓል፣ ኣኽብሮትን ታሕጓስን ንኽረኸቡ ብምስራሕ ናይ ምምሃርን ምስትምሃርን ከይዲ ምፍጣር እዩ።

አብ ትግራይ ሕጉሳት መምህራን ንምፍጣር ሓሳቦም የካፍሉ!