+251924381169  info@haqi.org
Follow us

ሰጋር ናይ ዓቅሚ ምህናፅን ፕሮጀክት


 ሐዚ ይፀምበሩ

ናይ ሰጋር ስኮላርሺፕ ናይ ምኽርን ዓቅሚ ህንት ፕሮጀክት

    • ንሕብረተሰ ንልምዓት ንምድርጃው ቅኑዕ አተሓሳሰባ፣ ቅኑዕ ናይ ተግባር ክእለትን ፍልጠትን ዘለዎም መራሕቲ ንምፍራይ ትምህርትን ስልጠናን ምጥቃም ይከኣል።

    • ዓላማ ናይ ሰጋር ስኮላርሺፕን ናይ ዓቕሚ ህንፀትን ፕሮጀክትን፤ ናይ ሓበሬታ ዕንቅፋት ብምንካይን ናይ ምምሃር ዕድል  ንምፍጣር ናይ ስኮላርሺፕን ናይ ስልጠና ዕድል ምፍጠር እዩ። ሰጋር ወሳናይ ሓበሬታ ንምርካብ ምስ ዝተፈላለዩ ስኮላርሺፓት ብምርኻብ መናእስይ ብሞያ ንምዕባይ ኣብ ናይ ትምህርቲ መርሃ ግብርታት ንኽምዝገቡ ከም መድረኽ ኮይኑ የገልግል።

    • ከምኡእውን ናይ ውልቀሰባት ክእለትን ፍልጠትን ንምምሕያሽ ናይ ሓፂር ግዘ ናይ ስልጠና ፕሮግራማትን ተበፃሕነት ንምፍጠር ኣብ ጥቅሚ ይውዕል፡፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ወሳናይ ናይ ሓበሬታን ፍልጠትን ፍልፍል ኮይኑ የገልግል።  

    • ኣብ ናይ ሰጋር ስኮላርሺፕን ናይ ዓቕሚ ህንፀትን ፕሮጀክትን ናይ መናእሰይ ዓቅሚ ብምምሕያሽ ንትግራይ ዓብዪ ማሕበራውን ኢኮኖሚያዊ ዓቅሚ ምፍጣር ይከኣል።

ሽቶ: ኣብ ትግራይ 10,000 መናእሰይ ምስትምሃር  

ሰጋር ስኮላርሺፕ ፕሮጀክት


ሓፈሻዊ መረዳእታ ብዛዕባ ስኮላርሺፕ ከመይ ከምዝርከብ  

መብዛሕቲኦም ናይ ስኮላርሺፕ መርበብ ሓበሬታታት ብሓፈሻ ብምልክታን ገምጋም ከይዲኦምን ተመሳሳሊ ዝኾነ ብርኪ እዮም ዝኽተሉ። እዞም ብርክታት ብግልፂ ምርዳእ ኣመልከትቲ ንክዳለዉን ናይቲ ምልክታኦም ከይዲ ቀሊል ንምግባር ይሕግዝ። ኣብ ከይዲ ምልክታ ክሕግዙ ዝኽእሉ 5 ብጣዕሚ ዝተለመዱ ሓፈሻዊ መምርሒታት ኣብዚ ተዘርዚሮም ኣለዉ።


እዞም ዝስዕቡ ብርክታት ብምኽታል ስኮላርሺፕ ዕዉት ብዝኾነ መንገዲ ንምርካብ ይሕግዙ:

ተራ 1
ናይ መፅናዕቲ ዓውዲ(ፊልድ) ምንፃር

ናይ መፅናዕቲ ዓውዲ (ፊልድ) ምንፃርሓደ ሰብ ሓፈሻዊ ናይ ምልክታ ከይዲ ቅድሚ ምጅማሩ እንታይ ከፅንዕ ከም ዝደሊ ምፍላጥ የድልዮ። ትክክለኛ ዝኾነ ናይ ትምህርቲ ዓውዲ (ፊልድ) ምርካብ ብናይ ውልቀ ድልየት፣ ብናይ ኣመልካቲ ክእለት ወይ ብቅዓት ናይቲ እተፅንዖ ፊልድ ምርካብ ኣብ ናይ ትምህርቲ ውፅኢታትን ካልኦት ነገራት ዝተመስረተ እዩ።

ተራ 2
ነቲ ፕሮግራም ዝህቡ ፕሮግራማት ወይ ድማ ዝርዝር ናይ ቤት ትምህርትታት ምድላይ

ነቲ ፕሮግራም ዝህቡ ፕሮግራማት ወይ ድማ ዝርዝር ናይ ቤት ትምህርትታት ምድላይ ከምኡውን እቲ ብጣዕሚ ፅቡቅ ዝኾነ ምምራፅ: እቲ ናይ ፅንዓት ዓውዲ (ፊልድ) እንተዳኣ ሓደ ግዘ ተፈሊጡ ቀፃሊ ስጉምቲ እቲ ፕሮግራም ወይ ድማ ቤት ትምህርቲ ምርካብ እዩ። እዚ መብዛሕትኡ ግዘ ብኦንላይን ይትግበር።

ተራ 3
ናይቲ ዝድለ ቤት ትምህርቲ መዐቀኒታት ምንፃር

Identifying the requirements of the selected school : by going through their website, identify the necessary requirements and extra credit that is required.

ተራ 4


ናይ መመልከቲ ሰነዳት ምድላዉ

Document Preparation:   based on the requirements identified in step 3, prepare the documents. This might require the preparation of personal and motivation statements, gathering original credentials and recommendations from some people, and scanning and naming them properly. You also need to open a professional email account that you can check frequently.

ተራ 5
በቲ ናይቲ ዩኒቨርሲቲ መርበብ ሓበሬታ ኣቢልካ ብኦንላይ ንምምልካት

በቲ ናይቲ ዩኒቨርሲቲ መርበብ ሓበሬታ ኣቢልካ ብኦንላይን ምምልካት: መብዛሕቲኦም ዩኒቨርሲቲታት ናይ ባዕሎም ኦላይን ኣፕሊኬሽን ሲስተም ኣለዎም (ኣፈላላይ ክህልዎም ይኽእል እዩ)። ኾይኑ ግና መብዛሕትኦም ናይ መመልከቲ መርበብ ሓበሬታታት ምምልካት ዝኽእልሉ ገደብ ዘለዎ ግዘ ኣለዎም። ስለ ዝኾነ ድማ ሓደ ኣመልካቲ ናይቲ ዩኒቨርሲቲ መርበብ ሓበሬታ ብደንቢ ምፍላጥን ምርግጋግፅን እቲ ናይ ምምልካት ከይዲ ብትክክል ከመይ ከም ዝጅምይፈልጥ። ዘድልዩ ሰነዳት ኣቐዲምካ ምድላዎ እውን ክርሳዕ የብሉን።

ፕሮግራም ሜንቶርሺፕ ዳዕሮ

እዚ ብሉፅ ዝኾነ ናይ ሞያድጋፍ ንዘድልዮም መናእሰይ ትግራይ ዝዳሎ ናይ ዘተ ግልጋሎት እዩ!


ተወሳኺ ጥልቀት

ናይ ሓፂግዘ ስልጠና

ሓልዮት ምሃብ፣ ናይ ትምህርቲ ዕድላት ምጥንኻርን ምምዕባልን፣ ሓጸርቲን ኣብ ውሱን ነገራት ዘተኮሩን ስልጠናታት ምሃብ ኣብ ዳግመ ህንጸት ንዘድልዩ ኣድላይ ዝኮኑ ፍልጠትን ክእለትን ንምፍጣር ይሕግዙ።


ተወሳኺ ጥልቀት