+251924381169  info@haqi.org
Follow us

መንገዲ ሕውየት

መንገዲ ሕውየት

  •  እቲ ኲናት ቀደሙ እውን ድኹም ዝነበረ ናይ ትግራይ መሰረተ ልምዓታት ካብ ምዕናው ሓሊፉ ማሕበራውን፣ ፖለቲካውን ቁጠባውን ትካላት ኣዕንዩ እዩ። 
  • ትግራይ ኣብ ታሪኾም ድሕሪ ኹናት ሕውየት፣ዕዉት ዝኾነ ማሕበረሰባዊን ቁጠባዊን ለውጢ ካብ ዘምፅኡ ሃገራት ተሞክሮ ብምውሳድ ናይቲ ክልል ቁጠባ ብዘላቕነት ንምልማዕ ሓደሽቲ ፖሊሲታትን ስትራቴጂን ምድላው ይከኣል እዩ።
  • ይኹን ዳኣምበር ናይቲ ዕንወት መጠንን ክብደትን ዋላኳ ዝኸፈአ እንተኾነ ካብ ናይ ካልኦት ሃገራት ታሪኽ ምርዳእ ከም ዝከኣል ብሓቀኛ ፖሊሲታትን ፖለቲካውን ትካላዊን ኣወዳድባ ብቕልጡፍ ምሕዋይ ዝከኣለሉ መንገዲ ኣሎእዩ


ከመይ ይሰርሕ?

  • ብጥንቃቐ ዝተዳለወ ፍልጠትን መረዳእታን ንናይቲ ክልል ኣመሓደርቲ ዝተፈላለዩ ናይ ፖሊሲታትን ስትራቴጂ መማረፂን ብምርኣይ ኣብ መረዳእታ ዝተመስረተ ውሳነ ንኽገብሩ ይሕግዞም እዩ።


  • ነዚ ዘገልግሉ መዛተይ ወረቐታት ምድላው እቲ ኸይዲ ናይቲ ክልል ዳግማይ ህንፀት ኣብጥቅሚ ዝውዕሉ ፖሊሲታትን ስትራተጂታትን ምድላው የቀላጥፍ እዩ።   


እንሰርሖም ስራሓውቲ 

  • ድሕሪ ኣዝዩ መስካሕካሓይ ዝኾነ ናይ ኲናት ዕንወት ገዚፍ ዝኮነ ናይ ቁጠባ ምምሕያሽ ዘርኣዩ ዝተመረፁ ሀገራት ታሪካዊ መፅናዕቲታት ምድላው።
  • ኣብ ታሪካዊ ናይ ኬዝ መፅናዕቲታት ዝተመስረቱ ፅቡቓት ተሞክሮታት ብምፍላይ ሕውየትን ዕብየትን መሕቖፊን ዘተ ምድላው።


ኣበርክቶኦም ከመይ ክህቡ ይኽእሉ?

ንዋታዊ ሓገዝ ምግባር






ኣብ ዘለው ፕሮጀክትታት ብቅጥታ ምስታፍ

  


ናይ ኣድቮኬሲ ሓገዝ ምግባር

 

 


ፍልጠት ብምክፋል


ወለንታዊ ሓገዝ ብምሃብ 





ምሕዝነት ብምፍጣር