+251924381169  info@haqi.org
Follow us

Your Dynamic Snippet will be displayed here... This message is displayed because you did not provided both a filter and a template to use.

ብተደጋጋሚ ዝሕተቱ ሕቶታት 

ኣብ ውሽጢ ሰረት ሓቂ ዝርከቡ ፍቓድ ዘለዎም ኣመሓደርቲ ጥራይ እዮም ንፕሮፋይልካ/ኪ ክረኽብዎ ዝኽእሉ። ንብሕታዊነት ተጠቀምቲ ቀዳምነት ንህቦ ንውልቃዊ ሓበሬታ ንምሕላው ስጉምትታት ንወስድን። 

ኣባል ሰረት ሓቂ ንምዃንን ኣብ መስርሕ ሕውየት ትግራይ እጃምካ ንምውፋይን ኣብ ገፅ ምዝገባ ኣባልነት ድለዩ። እቲዝድለ ሓበሬታ ብምምላእ ነቲ ዝተዋህበ መምርሒ ተኸቲልኩም መስርሕ ምዝገባ ምስ ዛዘምኩም ክንረኽበኩም ኢና።

ናይ ሓቂ ሰረት ኣባል ብምዃን እንታይ ጥቅሚ ይረከብ?

ከም ኣባል መጠን ኣብፕሮጀክትታት እቲ ሰረት ብንጥፈት ክትሳተፍን ኣብትግራይ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ናይ ምሕዋይ ፃዕሪ ኣበርክቶ ክትገብርን ዕድል ክህልወካ እዩ። ምስ ካልኦት ተመሳሳሊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ውልቀሰባት ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ፣ ፍሉያት ፀጋታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፣ ከምኡ’ውን ብዛዕባ ምዕባለ፣ ተበግሶታት ናይቲ ሰረት ክትፈልጥ ትኽእል ኢኻ። ብተወሳኺ ኣባላት ከከም ደረጃ ተሳትፎኦምን ኣበርክቶኦምን ፍሉይ ጥቕምታት ወይ ረብሓታት ክረኽቡ ይኽእሉ።

ኣባል ንምዃን ዝድለ ፋይናንሳዊ ግዴታታት ወይ ወርሓዊ ክፍሊት ኣሎ ድዩ?

ኣባል ሰረት ሓቂ ንምዃን ግዴታዊ ፋይናንሳዊ ግዴታ ወይ ወርሓዊ ክፍሊት ወላእኳ እንተዘየለ፤ ንፕሮጀክትታትናን ተበግሶታትናን ንምድጋፍ ዝግበር ፋይናንሳዊ ኣበርክቶ ኣዚና ነመስግንን ነተባብዕን። ኣባላት ወለንታዊ ሓገዝ ወይ ወርሓዊ ክፍሊት ብምግባር ነቲ ሰረት ኣብ ትግራይ ዝሰርሖ ስራሕ ንምሕጋዝ መማረፂ ኣለዎም። መጠንን ድግግምን ኣበርክቶ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ውሳነን ዓቕምን እቲ ኣባል ዝምርኮስ እዩ።

  • ከም መምህር መጠን፤ መምርሒ ደገፍ ክትህብን ክእለትካ ንተምሃሮኻ ከተካፍልን ትፅቢት ይግበር። ስሩዕ ርክብ፣ ንጡፍ ምስማዕን ሃናፂ ርእይቶ ምሃብን ኣገዳሲ እዩ።
  • ከም ሓደ ተምሃራይ መጠን፤ ምስ መምህርካ ብንጥፈት ክትሳተፍ፣ ንመምርሒ ንምቅባል ድልው/ክፉት ክትከውንን ኣብ ውልቃዊ ዕብየትካ ተበግሶ ክትወስድን ትፅቢት ይግበር። ምዕባለኻን ዝኾነ ዘጋጥመካ ብድሆታትን ንመምህርካ ብቐፃሊ ኣፍልጦ።

ኣብ ሰረትና ናይ ምምራሕ መደብ መምህር ንምዃን ዝተኣሳሰር ገንዘባዊ ወፃኢታት የለን። ፍልጠት ምክፍፋልን ደገፍን ንምዕባይ ዝዓለመ ኣብ ወለንተኛታት ዝተመርኮሰ ተበግሶ ጥራሕ እዩ ዘድሊ። 

መምህራንን ተምሃሮን ብመሰረት ክእለቶም፣ ድሌቶምን ምትእስሳሮምን እዮም ዝምረፁ። ኣባላት ሰረት ሓቂ ንናይ መምህርን ተምሃራይን መመልከቲታት ብጥንቃቐ ብምግምጋም ግቡእ ግጥማት ከም ዝትግብሩ ነረጋግፅ። ከም ምህላው ብቕዓት፣ ከምኡ’ውን ምርጫታት መምህር/ተምሃራይ ዝኣመሰሉ ረቛሒታት ኣብግምት ይኣትዉ።

እቲ ኣብ መንጎ ተምሃሮን መምህራን ንዝግበር ምብህሃል/ዝርር ብተዓፃፃፊ ክኸውን ከሎ፤ ኣብሓባራዊ ስምምዕ ድማ እዩ ዝምርኰስ። ንኽልቲኦም ወገናት ዝሰማምዖም ናይ ዝርርብ/ምብህሃል መደብ ክውፅእ ይምከር፣ ሰሙናዊ ይኹን ክልተ ሰሙናዊ ወይ ወርሓዊ ንኽልቲኦም ወገናት ዝምጥን ናይ ርክብ መደብ ክምስረት ይኽእል። 

እወ፣ ኣብውሽጢ እቲ ናይ ሓቂ ሰረት ናይ ኣእምሮ ማእከል ፕሮግራም ናይ ኣእምሮ መምህር ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ይኹን እምበር፤ ንኽልቲኡ ዕማም ብሓላፍነት ንምፍጻምግዜኻን ዕማማትካን ብውፅኢታዊ መገዲ ምምራሕ ኣገዳሲ እዩ። 

    ንውሓት ግዜ ናይዚ ምምህሃር መደብ ዝተፈላለየ ኮይኑ ብድሌታትን ዕላማታትን ናይቲ ዝመሃር ሰብ ዝውሰን እዩ። ገለ ናይ ምምሃር ዝምድናን ገለ ኣዋርሕ ክፀንሕ እንከሎ፤ ገለ ድማ ንሓደ ዓመት ወይ ልዕሊኡ ክቕፅል ይኽእል። ኣብ ምዕባለን ዕላማን ናይቲ ዝመሃር ሰብ ይምርኮስ።

ምስ መምህረይ/ተምሃራየይ ምስሕሓብ እንተ ሃልዩኒ እንታይ ክገብር ኣለኒ?

ኣብ ውሽጢ እቲ ናይ ምምህሃር መደብ ዝኾነ ጉዳይ ወይ ብድሆታት እንተኣጋጢሙካ፤ መጀመርታ ብቐጥታ ምስመምህርካ/ተምሃራይካ ክትፈትሖ ይምከር። ንፁርን ግልፅነት ዘለዎን ርክብ ወሳኒ እዩ። እቲ ፀገም እንተቐፂሉ፤ ሓገዝን መምርሕን ንምርካብ ናብ ኣመሓደርቲ ፕሮግራም ሰረት ሓቂ ክትውከስ ትኽእል ኢኻ።

እው፤እንድሕር ዝምድና ምምሃር ምስትምሃር ብዝግባእ ተዘይከይዱ ወይድማ ካልኦት ዘይምስምዕማዓት ተጋጢሙ ኩሎም ተምሃሮን መምህራንን ካልእ ዝምድና ንምምስራት ሕቶ ምቅራብ ይኽእሉ። እዚ ንምግባር ኣብ ሜንቶርሺፕ ፕሮግራም ዘሎ ናይ ጥርዓን ቅጥዒ ብምምላእ።

ብዛዕባ ክትትል ወይ ምምሃር ምስትምሃር ዝምልከት ዝኮነ ሓሳብ ወይ ግዱስነት ከመይ ሪፖርት ምግባር ይከኣል?

ብዛዕባ ምምሃር ምስትምሃር ዝምልከት ዝኾነ ሓሳብ ወይ ግዱስነት እንተድኣ ሃልይዎም ናብ info@haqi.org ሓሳባቶም ብምፅሓፍ ክገልፁልና ይኽእሉ  ናይ ሰረትና ጉጅለ ድም ጉዳዮምን ሓሳባቶም ብምርኣይ መልሲ ይህቦም።  info@haqi.org  

ኣዘውቲርካ ኢመይልካ ምፍታሽ ከም መምህር ብቐዳምነት ብኢመይል ምስ ተምሃሮኦም እሂንምሂን ንምብህሃል ወሳኒ እዩ። ኣገዳሲ ዝዀነ እዋናዊ ሓበሬታታትመምርሒታትን ሃብትን ብኢመይል ክመሓላለፍ ይኽእልእዩ። ስለዚ ኣብ ኢንቦክስካ ኣድህቦ ምግባር ወሳኒ ሓበሬታን ብዛዕባ ዕቤትካ እትረኽቦ ዕድላትን ከምዘይትስእን ነረጋግጽ። 

ኣብ ናይ ሓቂ ሰረት ስላክ ቻነል ብምስታፎም ተምሃሮ  ምስ ብዙሓት ኣወንታዊ ለውጢ ኣብ ምምፃእ ልዑል ድሌት ምስ ዘለዎም ወገናት ንምርኻብ የኽእሎም።ኣብ ናይ ስላክ ዲስኬሽን ምስታፍ ናይ ተምሃሮ ኔትዎርክ ንክሰፍሕን፣ ካብ ካልኦት ንኽመሃሩን ከምኡ ድማ ንዝተፈላለዩ ልምድታትንክእለትን ንክቃልዑ ወይ ድማ ክፈልጡ ይሕግዝ። እዚ ንተሓባቢርካ ምምሃርን ሓሳባት ምክፋልን ኣዝዩ ጠቃሚ ዝኮነ ፕላትፎርም እዩ።