+251924381169  info@haqi.org
Follow us

መስመር ሓገዝ ሓቂ

 

መስመር ሓገዝ ሓቂ እንታይ እዩ?

እንኳዕ ናብ ናይ ነፃ መስመር ስልኪ ሓገዝ ሓቂ (ሓቂ ላይን) ብደሓን መፃኹም። መስመር ሓገዝ ሓቂ፤ ኣብ ትሕቲ ፋውንዴሽን ሓቂ (ሰረት ሓቂ) ኣብ ወርሒ ሰነ ብ ዕለት19፣ 2023 ዓ/ም/ፈ ዝተመስረተ እዩ። ከም ዝፍለጥ ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ መስካሕክሒ ኲናት ብርክት ዝበሉ ወገናት ንዝተፈላለየ ቁጠባዊ፣ ማሕበራዊ፣ ኣካላዊን ስነ ኣእምሮኣውን ማህሰይትታት ተቓሊዖም እዮም። ካብዚ ብምብጋስ ድማ እዩ ሰረትኩም ሰረት ሓቂ ኣብ ትግራይ ንዝርከብ ማሕበረሰብ ካብቲ ዘጋጠሞ ስነ ኣእምሮኣዊ በሰላ ቀልጢፉ ንክሓዊ፣ ፅቡቕ ጥዕና ኣእምሮ ንኽህልዎ እጃሙ ንምብርካት ነዚ መስመር ሓቂ ንምጅማር ዝወሰነ። እዚ መስመር ስልኪ እዚ ኣገዳሲ ዝኮነ ግልጋሎት ጥዕና ኣእምሮ ብስልኪ ዝወሃበሉ እዩ። መስመር ሓገዝ ሓቂ፤ ደገፍን መምርሕን ንዘድልዮም ውልቀሰባት ነፃ፣ ምስጢራውን ርህሩህን መድረኽ ዝፈጠረ እዩ። ግልጋሎትና ድማ ናብ ናይ ነፃ መስመር ሓገዝና ብ#8516 ብምድዋል ይርከብ።

ከም ፋውንዴሽን ሓቂ (ሰረት ሓቂ)፤ ኣብ ትግራይ ንውልቀ ሰባት ኣገልግሎት ጥዕና ኣእምሮ ኣብ ምርካብ ዘጋጥሞም ብድሆ ኣዝዩ ከቢድ ምዃኑ ብግቡእ ንርዳእ ኢና። ስለዚ ኢና ድማ ነቶም ኣዝዮም ደገፍ ዘድልዮም ወገናት ግልጋሎት ንምሃብ ብቑዓት፣ ውፉያትን ድሉዋትን ዝኾኑ ሰብ ሞያ ጥዕና ኣእምሮ ብምድላው ነዚ ናይ ነፃ መስመር ስልኪ ዝፈለምና። ትካልና ኲሉ ሰብ ብዘይ ዝኮነ ፍርዲ፣ ፀለመን ኣድልዎን፤ ድምፁ ክስማዕ፣ ስክፍታታቱ ክእለን፤ ሞያዊ ዝኮኑ ሕክምናዊ ደገፍ ክግበረሉ ይግባእ ኢልና ብፅኑዕ ንኣምን።



ዕላማታትና

ናይ ነፃ መስመር ሓገዝ ስልኪ ሓቂ ሰማዒ እዝኒ ካብ ምሃብን ብዛዕባ ካብ ደወልቲ ንዝሕተቱ ናይ ስነ ኣእምሮኣዊ ፀገማት ናይ መፍትሒ ሓሳባት ካብ ምቕራብን ዝሓለፈ እዩ። ትካልና ኣብ ትግራይ ብዞም ዝስዕቡ መንገድታት ለውጢ ምምፃእ እዩ። 

ትምህርታዊ ተበግሶ፦

ብመንገዲ ትምህርታዊ ተበግሶ ንደወልትና ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ፀገማት ጥዕና ኣእምሮ፣ መማረፂታት ሕክምና፣ መንገድታትን ኣገባባትን ምክልኻልን ምፅዋርን ፀገማት ጥዕና ኣእምሮ ከምኡ ድማ ኣድላይነትን ኣገዳስነት ምድላይን ምሕታት ሓገዝን ጥዕና ኣእምሮ ንምምሃር ዕላማና እዩ። ቅኑዕን ዘተኣማምንን ሓበሬታ ብምሃብ፡ ውልቀሰባት ብዛዕባ ክንክን ጥዕና ኣእምሮኦም ብግቡእ ወሲዶም ውሳነታት ንኽወስዱ መንገዲ ንኾኖም። 


ምንካይን ውጋድን ፀለመ፦

ኣብ ሕብረተሰብና ብርክት ዝበሉ ወገናት ብሰንኪ ፀገም ጥዕና ኣእምሮ ንዝተፈላለየ ፀለመን ኣድልዎን እናተቓልዑ ዝርከቡሉ ኣጋጣሚ ሐዚ እውን እናቐፀለ ይርከብ። ቕሉዕን ግልፂ ዝኾኑ መድረኻት ምፍጣርን ዘተታት ምክያድን፣ መምሃርቲ ዝኮኑ ውልቃዊን ማሕበራውን ዛንታታትን ካብ ዝተፈላልዩ ከባብታት ብምእካብ፣ ብምድላውን ብምቕራብን ኣቢልና፤ ነዚ ዝቅፅል ዘሎ ግጉይ ዘይዘመናውን ኣተሓሳስባን ኣረኣእያን ንምንካይን ንምፍታሕን ንሰርሕ። በዚ ኣቢልና ድማ ኣብ ትግራይ ኣብ ዙርያ ፀገም ጥዕና ኣእምሮ ዘሎ ርድኢት ብምዕባይ ዝያዳ ርህሩህን ነንሕድሕዱ ዝረዳዳእን ዝደጋገፍን ማሕበረሰብ ምፍጣር እዩ። 


ስሓባይን መሳተፋይን መድረኻት ምፍጣር:-

ደወልትና ኣብ መስመር ሓገዝና ብንጥፈት ንኽሳተፉ ነተባብዕ። ክድውሉ ፤ ተመኩሮታቶም ከካፍሉ ፣ ሕቶታት ክሓትቱን ኣብ ዘተ ንኽሳተፉን መድረኻት ንፈጥር። ኣብ ትግራይ ካብ ውልቃውነት ብዝዘለለ ናይ ማሕበረሰባውነት ስምዒት ብምፍጣር፣ ብዛዕባ ብድሆታት ጥዕና ኣእምሮ ክፉትን ግልፅን ዘተታት ብምስፍሕፋሕ ወገናት ነንሕድሕዶም ንኽራኸቡ፣ ሓሳባት ንኽለዋወጡን ንኽድግፉን ምቹእ ባይታ ንፈጥር። 

ርድኢት ክኢላታት

መስመር ሓገዝና ብሰብ ሞያ ጥዕና ኣእምሮ፣ ብኣማኸርትን ብዝተፈላለዩ ናይ ሂወት ተመኩሮ ዘለዎም ውልቀሰባትን ዝተዋቐረ እዩ። እዞም ናይ ዝተፈላለዩ ክኢላታት ርድኢት ንደወልትና እሙን ሓበሬታ ብምቕራብ፣ ዝተፈላልዩ ኣገደስቲ ዝኾኑ ምኽርታት ብምሃብ ኣብ ደወልትና ንዘጋጥሙ ፀገማት ጥዕና ኣእምሮን ንምፍታሕን ስክፍታታቶም ብገንኡ ንምእላይ ይሕግዙ።

ሓገዝ ናይ ምድላይን ምሕታትን ባህሪ ምድንፋዕ

ከም መስመር ሓገዝ ሓቂ፤ ብመንገድታት ኣብ ምምሕያሽ ጥዕና ኣእምሮ ብዝተረኸቡ ብሉፃት ተሞክሮታት፣ ዕውታት ዛንታትን ኣቢልና ንዝተፈላልዩ ወገናት ኣብ ጉዳይ ጥዕና ኣእምሮኦም ዘድልይዎም ሓገዝ ብግልፂን ብዘይ ምሕፋርን ንኽሓቱ ናይ ምትብባዕን ናይ ምድፍፋርን ዓላማ ኣለና። ነዚ ንምዕዋት ድማ ብመስመር ሓገዝና ኣቢልና ንደወልትናን ካልኦት ኣብ ዙርየኦም ዘለው ወገናት ብዛዕባ ጥዕና ኣእምሮን ኣድላይ ዝርዝር ሓበሬታ ብምሃብን፣ ደገፍ ንኽረኽቡ ብዘይ ምሕላል ኣብ ምሰራሕ ንርከብ።

ኣብ ትካልና ዝርከቡ ሰብ ሞያ ንጭንቀት፣ ስንባደን ምስ ፀቕጢ ዝተኣሳሰሩ ፀገማትን ሓዊሱ ንዝተፈላለዩ ኣብ ዙርያ ጥዕና ኣእምሮ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ፀገማት ንምፍታሕ ዘኽእል ፍልጠትን ክእለትን ዝወነኑ እዮም። ንደወልትና ድማ ኣብ ጉዕዞ ህይወቶም ብዛዕባ ጉዳያት ጥዕና ኣእምሮኦም ግቡእ ርድኢት ረኺቦም ንኽመርሑን ክንክን ንኽገብሩን ዝሕግዝ ኣብ ጭብጢ ዝተመርኮሰ ኣድላይ ክትትል ኣብ ምሃብ ንርከብ። ዝኮነ ተገልጋላይ ናብ መስመር ሓገዝ ሓቂ ኣብ ዝድውለሉ እዋን፣ ካብ ሰብ ሞያና ካብ ኣድልዎን ፍርድን ነፃ ብዝኾነ ትሕትናን ርህራሄ ብዝተመልኦን ሃናፃይን መሃራይን ብዝኽነ ኣገባብ ሞያዊ ግልጋሎት ይረክብ። ሰብ ሞያና ንሻቕሎታት ደወልቲ ብንጥፈትን ብምስትውዓልን ይሰምዑ፣ ንሻቕሎታቶም ዝምጥኑ ሞያዊ ኣስተምህሮን መምርሒታትን ይህቡ። ካብዚ ብተውሳኺ ምስ ፍሉይ ድሌታቶም ዝመጣጠኑ ናይ ምፅዋር ስትራተጂታትን ክእለታትን ከምኡድማ ከመይ ክጥቀሙሉ ከምዝኽእሉ ሞያዊ ምኽርታትን ይልግሱ። ኩሎም ተካይድዎም ዝርርባት ኣዝዩ ምስጢራዊ፣ ብሕታውነትኹምን ድሕንነትኩምን ዝሓለወ ምዃኖም ክነረጋግፀልኩም ንፈቱ። ደገፍ ጥዕና ኣእምሮ ተበፃሒ፣ ንኹሉ ዝሓቁፍን ብውሕሉል ተመክሮ ዝካየድን ክኸውን ኣለዎ ኢልና ንኣምን። ስለዚ ድማ ሰብ ሞያና ኣብ ጥዕና ኣእምሮ ተገልገልቲ ፅልዋ ከሕድሩ ዝኽእሉ ፍሉያት፣ ባህላውን ማሕበራውን ኩነታት ተገልጋላይ ኣብ ግምት ዘእተው፣ ናይቲ ተገልጋልይ ኩነታት ጥዕና ከመሓይሹን ንተገልጋላይ ዕግበት ክፈጥሩን ብዘኽእሉ ኣገባባትን ሜላታትን ዝተፈላልዩ ሞያዊ ስልጠናታት ዝወሰዱ እዮም። 
ከም መስመር ሓገዝ ሓቂ ኣብ ትግራይ ኣብ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ውልቀሰባት ኣወንታዊ ፅልዋ ንምፍጣር ውፉያት ኢና። ኣባላትና፤ ወገናት ንኩነታት ጥዕና ኣእምሮኦም ብግቡእ ንኽርድእዎ፣ ዕግበት ዘለዎ ህይወት ንኽውንኑን መፍረትይቲ ንኽኾኑን ሞያዊ ድጋፍን ሓገዝን ንምግባር ብዝለዓለ ተወፋይነት፣ ኒሕን ሕራነን ኣብ ምግልጋል ይርከቡ።

ንባዕልኹም ወይ ካልኦት እትፈልጥዎም ወገናት ምስ ብድሆታት ጥዕና ኣእምሮ ትቃለሱ እንተድኣ ኾይንኩም፣ ናብ መስመር ሓገዝ ሓቂ ብ #8516 ሐዚ ደውሉ። ምሳና ዘለው ሰብ ሞያ ሓሳባትኩም ንኽሰምዑኹም፣ ብሞይኦም ንኽድግፉኹምን ናብ መንገዲ ፈውሲን ርጉዕ ሂወትን ንኽትምለሱ ክሕግዙኹም እዮም።
ኣስተውዕሉ! በይንኹም ኣይኮንኩምን።
መስመር ሓገዝ ሓቂ ኣብ ዙርያ ጥዕና ኣእምሮ ዘድልየኩም ደገፍን ሓገዝን ንምሃብ ኣብዚ ኣሎ።
ናብ ሰነ ኣእምሮኣዊ ጥዕናን ሕጉስ ሂወትን ንዝወስድ ቀዳማይ ስጉምቲ ንምጅማር ሐዚ ይደውሉ!!