+251924381169  info@haqi.org
Follow us

ሓልዮት ንሰብሞያ ጥዕናን መምህራንን

  • ብሰንኪ አብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት እቲ ክልል ንምእማኑ ብዘፀግም ኩነታተ ተጎዲኡ እዩ።

  • ሰብሞያ ጥዕናን መምህራንን ዋላኳ ከም ዝኾነ ማሕበረሰብ በዚ መስካሕክሒ ኲናት ዝተሀሰዩ እንትኾኑ ካልኦት በቲኲናት ዝተጎድኡ ክፋል ማሕበረሰብ ሓልዮት ናይምግባር ሓላፍነት አለዎም።

  • ዓርሶም ናይ ኲናት ተጠቃዕቲ ኾይኖም እናሃለዉ ንሕብረተሰብ ናይጥዕናን ትምህርትን ግልጋሎት ንክህቡ ሓላፍነት ዘለዎም ብምኻኑ ምኽንያት፤ ካብኦም ዝፅበግልጋሎት ብብቅዓት ናይ ምሃብ ዓቅሞም አብ ሓደጋ ወዲቁ እዩ። 

  • ሓልዮት ሓልዮት ንዝህቡ ሰብሞያ ፕሮጀክት ብአሻሓት ዝቁፀሩ ናይ ጥዕናን ትምህርትን ሰብሞያ አድላዪ ዝኾነ ድጋፍ ብምግባር ንተሓከምት ንተምሃሮን ድሕንነቱ ብዘተሓለወ መልክዑ ሓልዮት ንክህቡ ንምኽአል ዝሰርሕ ፕሮጀክት እዩ። 

ተወሳኺ የንብቡ


ናይ ሰጋር ስኮላርሺፕ ናይ ምኽርን ዓመ ህንት ፕሮጀክት

  • ኣብ ትግራይ ዝተገበረ ኲናት ኣብቲ ክልል ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ ብዘየሻሚ መልክዑ ብተውሳኺ ኣብቲ ናይቲ ክልል ናይ ሓይሊ ሰብ ካፒታል ዓብዪ ፀቕጢ ፈጢሩ እዩ። ኣብ ልዕሊ ቤት ትምህርትን መምሀራንን ብዝበፀሐ ዕንወት ተተሓሒዙ ህፃናትን መናእሰያትን ናይ ትምህርቲ ዕድል ንከይህልዎም ገይሩ እዩ።

  • ኣብ ትግራይ ፈለማ ብሰንኪ ለበዳ covid-19 ቀፂሉ ድማ ብሰንኪ እቲ ዘጋጠመ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ኲናት  ህፃናትን መናእሰይን ትግራይ ንልዕሊ 3 ዓመታት ብዘይ ትምህርቲ ኣሕሊፎምዎ እዮም።

  • ትግራይ ብዝሐሸ መልክዑ ንምህናፅ ዘድልዩ ፍልጠታትን ክእለታትን ንምምችቻው ዝሕግዝ ናይ ትምህርቲ ዕድላት ምሃብ ከምኡውን ንሓፂር ግዘ ዝተተለመ ስልጠና  ምድላው ቁልፊ እዩ።

ተወሳኺ የንብቡ


መንገዲ ሕውየት

  • እቲ ኲናት ቀደሙ እውን ድኹም ዝነበረ ናይ ትግራይ መሰረተ ልምዓት ካብምዕና ውሓሊፉ ማሕበራውን፣ ፖለቲካውን ቁጠባውን ትካላት ኣዕንዩ እዩ።

  • ይኹን ዳኣምበር ናይቲ ዕንወት መጠንን ክብደትን ዋላኳ ዝኸፈአ እንተኾነ ካብ ኻልኦት ሀገራት ታሪኽ ምርዳእ ከምዝከኣል ብሓቀኛ ፖሊሲታትን ፖለቲካውን ትካላዊን ኣወዳድባ ብቕልጡፍ ምሕዋይ ዝከኣለሉ መንገዲ ኣሎ እዩ።

  • ትግራይ ኣብ ታሪኾም ድሕሪ ኲናት ሕውየት፣ ዕዉት ዝኾነ ማሕበረሰባዊ ንቁጠባዊን ለውጢ ካብዘምፅኡ ሃገራት ተሞክሮ ብምውሳድ ናይቲ ክልል ቁጠባ ብዘላቕነት ንምልማዕ ሓደሽቲ ፖሊሲታትን ስትራቴጂን ምድላው ይከኣል እዩ።

ተወሳኺ የንብቡ

HAQI Helpline

HAQI Helpline is dedicated to making a difference in Tigray by:

  • Educational Initiative: We educate callers about mental health disorders, treatment options, and coping mechanisms, empowering them to make informed decisions about their care.

  • De-stigmatization: By sharing personal stories and engaging in candid discussions, we challenge misconceptions and work to reduce the stigma surrounding mental health, fostering a more empathetic community. 

  • Interactive Engagement: We encourage callers to participate actively by sharing experiences and asking questions, promoting open dialogue and creating a supportive environment.

  •  Expert Insights: Our helpline features mental health professionals and individuals with lived experiences, providing credible information and practical solutions for mental health concerns.

  • Promoting Help-seeking Behavior : Through success stories and available resources, we encourage individuals to seek help without hesitation, highlighting the importance of mental health services.

ተወሳኺ የንብቡ


" ኸይዲ ሕውየት ንምድጋፍ ዝዓለመ ናይ ፕሮጀክት ሓሳብ እንትሃልዩዎም በይዘኦም የዛርቡናሞ ሓቢርና ንስርሓሎም። "