+251924381169  info@haqi.org
Follow us

ስልጠና ጥዕና ኣእምሮ ንሰራሕተኛታት ቢሮ መሬትን ማዕድንን ትግራይ ድሕሪ ቅልውላው

ብሰንኪ እቲ ዝተኻየደ ኣዕናዊ ኲናትን ከበባን ንዝተጎድኡ ብዙሓት ተጋሩ ጥዕና ኣእምሮ ንምፍዋስ ዓሊሙ ስረት ሓቂ፤ ኣብ ትግራይ ንዝርከቡ ዝተፈላለዩ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ቀፃሊ ዝኮነ ስልጠናታት ኣብ ምሃብ ይርከብ።

ስራሕተኛታት ቤት ዕዮ መንግስቲ ብሰንኪ እቲ ኣዝዩ መስካሕክሒ ተጓንፎታቶም ዝተኣሳሰር ልዑል ደረጃ ድሌታት ጥዕና ኣእምሮ ኣለዎም። ስለዝኾነ ሓቂ ሰረት ኣብ ከተማ ውቕሮ ን“ሰራሕተኛታት ቢሮ መሬትን ማዕድንን ትግራይ” ንዘለዎም ድሌታት ጥዕና ኣእምሮ ንምምላእ ናይ ክልተ መዓልቲ መደብ ስልጠና ጥዕና ኣእምሮ ኣካይዱ ኣሎ። እቲ ስልጠና ካብ ብ ኣቆፃፅራ ፈረንጂ ጉንበት 30,2023 ክሳብ ሰነ 1, 2023 ን125 ተሳተፍቲ ዝተውሃበ እዩ።

እቲ ስልጠና እዞም ዝስዕቡ ዕላማታት ነይርዎ:-

  • ንሰልጠንቲ ብዛዕባ ጥዕና ኣእምሮን ስንባደን መሰረታዊ ርድኢት ምሃብ።
        • ንሰልጠንቲ ምስ ምልክታትን ጠንቅታትን ስንባደን ኣብ ኣእምሮኣዊ ፅቡቕ ሂወት ዘለዎም ፅልዋን ምልላይ።
        • ንሰልጠንቲ ብግብራዊ ሜላታት ምሕደራ ምዕጣቕ፡ እዚ ድማ ዓᎁቝ ምስትንፋስ፣ ምንቅስቓስ ጭዋዳታት፣ ከምኡ’ውን ምውስዋስ ኣካላት መሰረት ምግባር።
        • ንፅቡቕ ስነኣእምሮኣዊ ሂወት ሰልጠንቲ ንምድንፋዕ ዝሕግዙ ሜላታት ርእሰ-ሓልዮት ምምሃር።
        • ኣብ ትካሎም ብዛዕባ ኣገዳስነት፣ ከይዲ ምድንፋዕ ግንዛበ፣ ምትእትታውን ምትግባርን ተሞክሮታት እዚ ስልጠና ምዝታይ ።
ነቶም ዕላማታት ንምፍፃም እቲ ስልጠና ነዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ዝሸፈነ ኔሩ። ንሳቶም ድማ:- መሰረታዊ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ጥዕና ኣእምሮ፣ ስንባደን ምልክታቱን፣ ጠንቁን ሜላታት ምሕደራን እዮም። እዞም ኣርእስታት ብግብራዊ ምንቅስቓስ ተሓጊዞም እዮም ተዋሂቦም።


in News