+251924381169  info@haqi.org
Follow us

መስመር ሓገዝ ሓቂ
ናይ ነፃ ኣገልግሎት

መስመር ሓገዝ ሓቂ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተጣየሸ መስመር ቴሌፎን ኮይኑ ኣብ ትግራይ ንዝነብር ህዝቢብርሑቕ ኣብ ናይ ስነ-ኣእምሮኣዊን ማሕበራዊ ድጋፍን (MHPSS) ንምሃብ ዝዓለመ እዩ። እዚ ተበግሶ’ዚ፤ ኣብቲ ዞባ ህፁፅ ደገፍ ጥዕና ኣእምሮ ከም ዘድልይ ብምግንዛብ፤ ብተሌፎን ቀዳማይ ረድኤት ግልጋሎት ስነ-ኣእምሮኣዊ ሕክምና ንምሃብ ዝዓለመ እዩ። ትግራይ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተኻየደ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ኣዕናዊ ሳዕቤን ዘስዓበን ኣዝዩ ከቢድ ዝኾነን ኲናት ሓድሕድ ኣሕሊፋ እያ።

ዕዉት ኣሰራርሓ እቲ መስመር ቴሌፎን ንምርግጋፅ፤ ወለንተኛታትን ሰብሞያ ጥዕና ኣእምሮን ከም ኣማኸርቲ ኮይኖም ከገልግሉ ተመልሚሎም ኣለዉ። እቲ መስመር ቴሌፎን ንደወልቲ ብነፃ ዝበፅሕ ኮይኑ፤ ውልቀሰባት ብዘይ ፋይናንሳዊ ዕንቅፋት ሓገዝ ንኽረኽቡ ዘኽእሎም እዩ። ቀንዲ ትኹረት መስመር ሓቂ ንመምህራንን ሰራሕተኛታትን ክንክን ጥዕናን ደገፍ ንምሃብ ክኸውን እዩ። እዚ 'ውን ኣብ ናይ መርመራን መወከሲ ኣገልግሎት ንምብፃሕ ይኽእል።

እቲ ፕሮጀክት ኣብ ምዕቡል ደረጃ ምዕባለ በፂሑ ዘሎ ኮይኑ ኣብ ዝቕፅሉ ሒደት ሰሙናት ክጅመር መደብ ተታሒዙሉ ኣሎ። ብዕለት 20 ግንቦት 2023 ዓ/ም ን ዩኒቨርስቲ መቐለ፣ ቢሮ-ትምህርቲ፣ ቢሮ-ጥዕና፣ ቢሮ-ማሕበራዊ ጉዳይ፣ ከምኡ እውን ክፍሊ ስነ-ኣእምሮን ስነ-ልቦናን ዝኣመሰሉ ቀንዲ ሰብ-መዚ ኣካላት ዘሳተፈ ስነ-ስርዓት ምጅማር ፕሮጀክት ተኻይዱ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ፕሮጀክት ንመስመር ቴሌፎን ዝኸውን መደበኛ መስመር ንምውናን፤ ንኢትዮ ቴሌኮም ሰሜን ሪጅን ግልጋሎት መስመር ስልኪ ንኽጅምር ይፅበኣሎ። እቲ መሰረተ ልምዓት ምስ ተፈቀደን ኣብ ቦትኡ ምስተቐመጠመስመር ሓቂ ንህዝቢ ትግራይ ድጋፍ ጥዕና ኣእምሮ ንምሃብ ኣገዳሲ ስርሑ ክጅምር እዩ። እዚድማ ብሰንኪ ኲናት ሓድሕድ ዝተፈጠረ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጭንቀት ኣብ ምቅላልን ነቲ ክልል ኣብ ምሕዋይን ፅቡቕ ሂወት ኣብ ምምፃእን እጃሙ ንምብርካትን ዝዓለመ እዩ።