ንኣባላት ሓቂ እንኳዕ ደስ በለኩም! ሓቂ ሰረት ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ልምዓት ምንቅስቃሳት ንምስታፍን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ሕጋዊ ኣካል ንምዃን ፍቃድ ረኺቡ ኣሎ። HAQI (ሰብኣዊነት፣ ቅልጣፈ፣ ጽሬት፣ ተኣማንነት) ዝተመስረተ እቲ ኲናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢን ኣብ ልዕሊ እቲ ከባብን ዋላኳ ፀቅጢ እንተ ሃለዎ እቲ ማሕበረሰብ ብፅንዓት ምስ ሓቂ ጠጠው ብምባል ዘደንቅ ትብዓት ኣርእዩ እዩ። ናይ ሓቂ ኣባላት ንኸይዲ ሕውየት ትግራይ ናይ ባዕሎም እጃም ንምውፋይ ዝደልዩ ውልቀ ሰባት ዝሓቆፈ እንትኸውን ብናይ ጎርጎሮሳውያን ኣቆፃፅራ ካብ 2021 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ጥዕና፣ ትምህርትን ማሕበራውን ናይ ሕውየት ስልትታትን ዝተፈላለዩ ሓሳባትን ኣብ ምድላው ይርከብ። እዚ ናይ ሓቂ ሰረት ናይ ሕጋውነት ፍቓድ ስራሓውቲ ንምጅማር ዘቅልለልና እንትኸውን ጻዕርታትና ንምድጋፍ ምስ ናይ ልምዓት መዛምድቲ፣ ምስብ ናይ ሰናይ ድሌት ናይ ሰናይ ተግባር ዝፍፅሙ ኣካላት፣ ምስ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ኣካላት ሓቢሩ ዝሰርሕ ይኸውን።