+251924381169  info@haqi.org
Follow us

ሰረት ሓቂ ኣብ ትግራይ ንስነ-ኣእምሮኣዊን ንማሕበራዊን ድጋፍ ዝሕግዝ ናፃ ናይ ስልኪ መስመር ጀሚሩ

ሰረት ሓቂ ኣብ ትግራይ ንስነ-ኣእምሮኣዊን ንማሕበራዊን ድጋፍ ዝሕግዝ ናፃ ናይ ስልኪ መስመር ጀሚሩ!


ሰረት ሓቂ ኣብ ትግራይ ንስነ-ኣእምሮኣዊ ማሕበራዊ ድጋፍ ዝሕግዝ ናፃ መስመር ስልኪ  ጀሚሩ። ኣብ ትግራይ ንዘሎ ሰፊሕ ናይ ኣእምሮ ጥዕና ጠለብ ንምምላእ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ልዑል ፃዕሪ እጃሙ ንምውፃእ፤ ካብ 19 ሰነ 2023ዓ/ም/ፈ ጀሚሩ ናፃ ናይ ስልኪ መስመር ሓገዝ ብዕሊ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ። እዚ ናብ ቁፅሪ ስልኪ 8516 ብምድዋል ዝርከብ መስመር ሓገዝ፡ ኣብ መላእ ዞባታት ክልልና ንዝርከቡ ግልጋሎት ንኽረኽቡ ዝደልዩ ወገናት ነፃን ኣገዳሲን  ስነ-ኣእምሮኣዊን ማሕበራዊን ደገፍ ንምሃብ ዝዓለመ እዩ።


ሰረት ሓቂ ግልጋሎት ጥዕና ኣእምሮ ንምሃብ ቆሪፁ ዝተልዓለሉን ነዚ ናይ ሓገዝ መስመር ዝጅመረሉን፤ ከም ኣካል ናይቲ ኣብ ትግራይ ንዝርከቡ መምህራንን ሰብ ሞያ ጥዕናን ክንክንን ንኽግበረሎም ዓሊሙ ብቀፃሊን ብተወፋይነትን ንዝነጥፈሉን ፕሮጀክት መሰረት ብምግባር እዩ። እዚ ግልጋሎት ድማ ኣብ መላእ ትግራይ ንዝርከብ ሕብረተሰብ ብፍላይ ድማ መምህራንን ሰብሞያ ጥዕናን ኣገደስቲ ፀጋታትን ምኽራዊ ደገፍን ንኽረኽብ ብምግባር ፀገማት ጥዕና ስነ-ኣእምሮኦም ንምቅላል ይሕግዝ።

ናብዚ መስመር (8516) ብምድዋል፤ ወገናት ሰልጠና ካብ ዝወሰዱ ሰብ ሞያ ናፃ ዝኾነ ምኽራዊ ደገፍ ብምሕታት ሞያዊ ሓገዝ ይረኽቡ። 

ናይዚ ግልጋሎት ምትእትታው፡ ሰረት ሓቂ ንኣእምሮኣዊን ማሕበራዊን ደገፍ ኣብ ቅድሚት ብምስራዕ ደገፍ ንምግባር ዝዓለመ እዩ። ምጅማር ናይዚ ማእከላይን ብቐሊሉ ዝርከብን ፕላትፎርም (መድረኽ) ሰረት ሓቂ ኣብ ሕብረተሰብና ንዘጋጠመ ስነ-ኣእምሮኣዊ ፀገም ኣዝዩ ከቢድ ምዃኑ ኣፍልጦን ቱኽረትን ምሃቡ ዘመስክር እዩ። በዚ ድማ ጠለብ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጥዕና ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምምላእ፤ ምምሕያሽ ሂወት ውልቀሰባትን ሕብረተሰብን ዓብይ እጃም የበርክት።

ንውልቅኹም ወይ ንእትፈልጥዎም ሰባት ናይ ስነ-ኣእምሮኣዊን ማሕበራዊን ሓገዝ እንተድኣ ኣድልይዎም፡ በይዝኦም ናብ መስመር ሓገዝ ሰረት ሓቂ ብ8516 ይደውሉ ሓገዝ ይርከቡ!! ብጥበብ ይፈወሱ!! 
ሕውየት ብጥበብ

in News