+251924381169  info@haqi.org
Follow us

ሓቂ ሰረት ናይ ሕጋውነት ፈቓድ ረኺቡ

  ኣባላት ሓቂ እንኳዕ ደስ በለኩም! ሓቂ ሰረት ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ልምዓት ምንቅስቃሳት ንምስታፍን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ሕጋዊ ኣካል ንምዃን ፍቃድ ረኺቡ ኣሎ።  HAQI (ሰብዊነት፣ ቅልጣፈ፣ ጽሬት፣ ተኣማንነት)  ዝተመስረተ እቲ ኲናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢን ኣብ ልዕሊ እቲ ከባብን ዋላኳ ፀቅጢ እንተ ሃለዎ እቲ ማሕበረሰብ ብፅንዓት ምስ ሓቂ ጠጠው ብምባል ዘደንቅ ትብዓት ኣርእዩ እዩ። ናይ ሓቂ ኣባላት ንኸይዲ ሕውየት ትግራይ ናይ ባዕሎም እጃም ንምውፋይ ዝደልዩ ውልቀ ሰባት ዝሓቆፈ እንትኸውን ብናይ ጎርጎሮሳውያን ኣቆፃፅራ ካብ 2021 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ጥዕና፣ ትምህርትን ማሕበራውን ናይ ሕውየት ስልትታትን ዝተፈላለዩ  ሓሳባትን ኣብ ምድላው ይርከብ። እዚ ናይ ሓቂ ሰረት ናይ ሕጋውነት ቓድ ስራሓውቲ ንምጅማር ዘቅልለልና እንትኸውን ጻዕርታትና ንምድጋፍ ምስ ናይ ልምዓት መዛምድቲ፣ ምስብ ናይ ሰናይ ድሌት ናይ ሰናይ ተግባር ዝፍፅሙ ኣካላት፣ ምስ መንግስታውን  ዘይመንግስታውን ኣካላት ሓቢሩ ዝሰርሕ ይኸውን።