+251924381169  info@haqi.org
Follow us

ሰረት ሓቂ ምስ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ጨንፈር ትግራይ ናይ ምርድዳእ ስምምዕ ፈሪሙ

ብዕለት 12 ሚያዝያ 2023 ሰረት ሓቂ ምስ ጨንፈር ትግራይ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ናይ ምርድዳእ ስምምዕ ፈሪሙ። ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ሰረት ሓቂ ንወለንተኛታት ቀይሕ መስቀል ትግራይ ንሓደ ዓመት ዝፀንሕ ስልጠና ጥዕና ኣእምሮን ፈውሲን ክህብ እዩ።

እዚ ምትሕብባር፤ ወለንተኛታት ቀይሕ መስቀል ትግራይ ኣብ ትግራይ ንዝተፀገሙ ሰባት ዝሓሸ ኣገልግሎት ጥዕና ኣእምሮ ኣብ ምሃብ ዓቕሞም ንምዕባይ ዝዓለመ እዩ። ክልቲአን ትካላት ብፍልጠትን ጥበብን ብሓባር ነቲ ሕብረተሰብ ንምፍዋስ ቃል ኣትየን ኣለዋ።

እዚ ሽርክነት ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዝተፈላለዩ ጎንፅታትን ቅልውላዋትን ንዝተሃስየ ህዝቢ ትግራይ ዝሓሸ ስርዓት ድጋፍ ጥዕና ኣእምሮ ንምህናፅ ዝወተወሰደ ዕዙዝ ስጉምቲ እዩ። እዚ ምትሕብባር ነቲ ኣብ ድኻ ማሕበረሰብ ጥዕና ኣእምሮ ብምሕካም ፅቡቕ ሂወት ንምድንፋዕ ዝዓለመ ተልእኾ ሰረት ሓቂ ዝሰማማዕ እዩ።