+251924381169  info@haqi.org
Follow us

ዘንብብ ይዕንብብ

ትምህርቲ ንዕብየት ሓንቲ ሃገርን ምምዕባል ሕ/ሰባዊ ለውጥን ኣዝዮም ኣገደስቲ ካብ ዝኾኑ ነገራት እቲ ቀንድን ወሳናይ ተራ ዝፃወትን ዓውዲ እዩ፡፡ ሎሚ ሎሚ ኣብ ዝሓሸ ብርኪ ዕብየት ዝርከባ ሃገራት ዓለም ወለዶታት እናተቐባበሉ ኣብ ዓብዪ ብርኪ ዘብፅሑዎ ቁጠባ፣ ፖለቲካ፣ ቴክኖሎጂ ከምኡ ‘ውን ማሕበረሰባዊ ለውጢ መሰረቱ ትምህርቲ ምዃኑ እሙን እዩ፡፡
ብምህሮ ዝበቕዐን ዝበሰለን ወለዶ ዓዱ ኣብ ምቕያርን ምልማዕን፤ ሓርጎፅጎፃት እንተገጠሙዎ ‘ውን ከከም ኣመፃፅአኦም እናበደሀ ናብ ዝደልዮ ኣንፈት ንምኻድ ፍልጠቱን ክእለቱን ኣማዕቢሉ ቴክኖሎጂታት እናመሃዘ ፀገማቱ ጋሊሁ ብዓወት መሰስ ይብል፡፡
እዚ ንምግባር መሰረት ኣንፂፎም ዝፀንሑ ወለዱ ኣብ ትምህርቲ ዘፍስሱዎ መዋእለ ንዋይ ኣገዳሲ ነጥቢ ኮይኑ ንረኽቦ፡፡ እቲ ምንታይሲ ምዕባለ ሓንቲ ዓዲ ዝረጋገፅ ብሰንሰለታዊ ቅብብል ወለዶታት እዩ፡፡ ስለዝዀነ እዩ ድማ ካብቶም ንትምህርቲ መሰረታውያንን ጠቐምትን ዝበሃሉ ነገራት ከም ምችው መምሀሪ ክፍልታት፣ ቤተ ፈተነን ቤተ ንባብን ዝኣመሰሉ ዓንድታት ቤት ትምህርቲ ክህነፁን ወለዶታት ክህነፁሎምን ዝግበር፡፡
እምበኣር ከስ ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ ትምኒተይ ንትግራይ ንሎሚ ኣብነት ለውጢ ማሕበረሰባዊ ትምህርቲ ጌርና፤ ኣብ ህንፀት ወለዶ ዓብዪ ግደ ብዛዕባ ዘለዎን ብዘመናዊ መልክዕ ኣገልግሎት ዝህብን ቤተ ንባብ ተዓዚቦም እዚስ ኣብ ዓድና እንተዝኸውን ብምባል ሓሳባቶም ካብ ዘካፈሉና ወገናት ክነላልየኩም፡፡
ሰናይ ንባብ!!

ስእሊ 1. ውሽጣውን ደጋውን ምስሊ ቤተ-ንባብ ኡትርክት

እዚ ኣብ ምስሊ 1 እንዕዘቦ ዘለና ኣብ ሃገረ ኔዘርላን ዝርከብ ሓደ ፍሉጥ ቤተ-ንባብ እዩ፡፡ ቤተ- መፃሕፍቲ ኡትርክት /Utercht Library/ እናተበሃለ ድማ ይፍለጥ፡፡ እዚ ቤተ መፃሕፍቲ ግልጋሎት ዲጂታል ቤተ ንባብ ሓዊሱ ብዙሓት መፃሕፍቲ ዝሓዘን ዝኾነ ይኹን ሰብ ኣትዩ ክግልገለሉ ዝኽእልን ሰፊሕ ቤተ መፃሕፍቲ እዩ፡፡
እዚ ቤተ መፃሕፍቲ ኣዝዩ ዘመናውን ኩሉ ዘማለአን ብምዃኑ ተገልገልቲ ኣብ ውሽጢ ኣትዮም ኮምፒተሮም እንትጥቀሙ ባትሪ ከይውደኦም ምእንቲ ብሽክርክሪት ሳይክል ዝምንጩ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣብ ውሽጢ 5 ደቓይቕ ንባዕሎም ዝምጥን ሓይሊ ከዋህልሉ እናንበቡን እናሽከርከሩን ዝጥቀሙሉ ዀይኑ፤ ንኻልኦት መንበብቲ ከይርብሽ ድምፂ ኣልባ ቀዋሚ ብክሌታታት ኣብ ውሽጢ እቲ ቤተ-ንባብ ብዝመናዊ መልክዕ ተገጢሙሉ ይርከብ፡፡ እዘን ዘመነዎት ቀወምቲ ሳይክላት፤ ብበዝሒ ንባብ ፅዕንዕንታ ንዝተሰመዖም ኣንበብቲ ድማ ኣብኡ ደይቦም ምንቅስቓስ ብምግባር ክነቓቕሑ ዝሕግዛ እየን፡፡ 

ስእሊ 2. ኣብ ውሽጢ ቤተ-ንባብ ኡትርክት ዝርከባ ሓይሊ ዘመንጭዋ ሳይክላት

ብተዛማዲ ዛዕባ ድማ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ብዙሓት ከተማታት ኣናእሽቱ ቤተ-መፃሕፍቲ ኣለዋ፡፡ እዘን ኣናእሽቱ ቤተ-ንባብ ብበዝሒ ኣብ ማእኸላት መዘናግዒ፣ ማእኸላት ዕዳጋን ኣብ መንበሪ ሰፈራትን ዝተተኸላ እየን፡፡ እዚ ፕሮጀክት ኣብ 2009 ዓመተ ፈረንጂ ኣብ ሃገረ ኣመሪካ ዝተጀመረ ኾይኑ፤ እዚ ተመኩሮ ኣብ 120 ሃገራት ዓለም ዝተተግበረ እዩ፡፡ ልዕሊ 175 ሽሕ ኣናእሽተይ ኣብያተ ንባብ ተተኺለን ዘለዋ ኰይነን ልዕሊ 400 ሚልዮን መፃሕፍቲ ከም ዘለዉ ድማ ይግለፅ።


ስእሊ 3. ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝርከባ ኣናእሽቱ ቤተ-መፃሕፍቲ

እሞ ‘ማ ኣብ ትግራይ ከምዚ ዓይነት ዘመናዊ ቤተ-ንባብ ክህልውን እተን ዝርካበን ቤተ መፃሕፍቲ ንንባብ ዝዕድማ ጌርካ ብምጥያሽ፤ ወለዶታት ዝህነፁለንን ኣብ ምምዕባል ማሕበረሰባዊ ዕብየትን ምፍራይ ውፅኢታዊ ዜጋን እወንታዊ ተራ ዝፃወታ ብምዃነን ኣብ ዓድና ‘ውን ክስፋሕፋሓ ትምኒት እዞም ግዱስ ትግራዋይ እዩ፡፡
ኣብ ዓድና ብዙሓት ወለንታውያን ወገናት መፃሕፍቲ እናኣክቡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ንዝርከቡ ኣብያተ ትምህርቲ የከፋፍሉ እዮም። እንተኾነ ግን ቀፃልነት ብዘይምህላዉን ኩሉ ወገን ደፊኡ ስለዘይሰርሐሉን ኣድማዒ ለውጢ ክመፅእ ኣይከኣልን። ኩሉ ትግራዋይ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ብዘየግድስ ወለዶ ትግራይ ዝህነፀሉ ቦታታት፤ ለውጢ ትግራይ ዘግህዱ ፅሑፋት ዝሓዙ መፃሕፍቲ ዝእክብሉን ናብ ጥቕሚ ዝውዕልሉን ኣግባብ ክንፍጥር ይግባእ።
ትግራይ ኣብ ርእሲ ሕድሕድ ትግራዋይ ትህነፅ እንትንብል፡ ማሕብረሰብ ትግራይ ዓቕሙ ብንባብን ብቴክኖሎጂን ዘዕብየሉ ሃዋህው ምፍጣር ኣገዳሲ ይኸውን። እዚ ንምግባር ከምዚ ዓይነት ተመኵሮታት ብምቕማር ትግራይ ተብሃጊት ኮይና ክትህነፅ ዝሰርሑ ሙሁራን ምፍራይ ንፅባሕ ዝብሃል ጉዳይ ኣይኮነን። ናብ ተግባር ንምእታው ድማ ተጋሩ ኢደይ ኢድካ ኢልና ብሓንሳብ ክንስጉም ይግባእ።

ፀሓፊ

ብ ጋዜጠኛ ዘርኡ ገብረ ጆርግስ

ሰረት ሓቂ (ሓቂ ፋውንዴሽን)

ነዚ ሓሳብ ክንደይ ይህብዎ?