+251924381169  info@haqi.org
Follow us

ትምኒተይ ንትግራይ

ገለ ሰባት ትግራይ ዓድና ከም እስራኤል ክትከውን ኣለዋ ክብለ እሰምዕ እየ። እሂን ምሂን ዝብል ቃል ወለድና ካብ ቀደም ጀሚሮም ይጥቀሙላ እዮም። ብስፊሑ ዝጥቀሙላ ድማ ካብ ምሁራት ትግራዋይ ፕሮፌስር ገሊውድዮስ ኣርኣያ እዮም። ፕሮፌስር ገሊውድዮስ “consensus politics” ኢሎም ብዙሕ ግዜ ተንቲኖምዎ እዮም። እሂን ምሂን እትብል ቃል ናተይ ጥራሕ ዘይኮነትስ ናይ መላእ ህዝቢ ትግራይ ከምኡ ድማ ናይ ምሁራን ተጋሩ እያ።

ስለዚ ኣነ እውን ነታ ቃል ስለዝፈተኹዋ ትግራይ ዓደይ ኣብ 2016 ዓ/ም ዓዲ እሂን ምሂን ንኽትኮነለይ ተመንየ።

"... ትግራይ ዓደይ ኣብ 2016 ዓ.ም ዓዲ እሂን ምሂን ክትኮነለይ እምነ!! "



“ሓንቲ ምስዚ ትመሳሰል ኣብነት ክነግረኩም”

ደም እዩ ኣብ ሓደ ከባቢ ብልሙድ ኣፀዋውዓ “ሕርሻ ወኪል” ዝበሃል ኣብ ጣብያታት ዝሰርሕ ክኢሊ ሕርሻ ነይሩ። ድሓር እዚ ሕርሻ ወኪል ዝበሃል በዓል ሞያ ንሓደ ዕብይ ዝበለ ገባር ረኺቡ ኣቦይ ይብሎም፡ ንሶም ድማ ትቕብል ኣቢሎም ኣቤት ዝወደይ ኢሎምዎ ኣነ ብዓል ሞያ ሕርሻ ኮይነ ናብዚ ከባቢኹም ተመዱበ ኣለኹ፣ መዲበርያ/ዘመናዊ ድኹዒ/ ክትወስደ ኣለኩም ይብሎም፣ ድሓር እቶም ስብኣይ ድማ ኣይ ዝወደይ ናተይ ግራት መዲበርያ ዘይኮነስ ናይ ባዕለይ ናይ ክፍቲ ድኹዒ እዩ ዘድልዮ እሞ ንሱ እየ ዝገብረለ ይብለዎ፣ እቲ ክኢላ ሕርሻ ድማ ብግዲ ትወስደ ትወስደ ኢሉ እናፋጠጠ ተኸኽ ኣቢለዎም። "ኣንታ ወደይ እታ መሬተይ ንስኻ ዲኻ ትፈልጣ ኣነ?" ምስበለዎ ኣፍ ልቡ ነፊሑ "ኣንቱም ሰብኣይ ኣነ ኮ ምሁር እየ‟ ኢለ ይከራኸሮም። ንሶም ድማ ርእሶም እናንቕነቑ ትቕብል ኣቢሎም" "…ኣሃ ሓቅኻ ዝወደይ ኣነ ደንቆሮ እየዋ በል  ሃበኒ እህምምምምም" ኢሎም ብትሕትና ይዛረብዎ። ደሓር እቲ መዲበርያ /ዘመናዊ ድኹዒ/ ተቐቢሎም መሬቶም እውን ሰፊሕ ስለዝነበረ ብዝሕ ዝበለ መዲበርያ ሒዞም ይኸደ። እዞም ሰብኣይ ብህልኽ ዝወሰደዎ መዳበርያ  ጉድጓድ ኩዒቶም ይቐብሩዎ እሞ ከምታ ዝበለዋ ኣብ እዋን ዘርኢ ግራውቶም በቲ ባህሊዊ ማለት እውን ብናይ ክፍትን ጤለበጊዕን ድኹዒ ገይሮም ይዘርኡ። 

ክረምቲ ኣብቂዑ እዋን ቀውዒ ምስመፀ ናይዞም ሰብኣይ ገርሁ ፅቡቕ ምህርቲ ተሓፊሱዎስ እቶም ሰብኣይ እውን ሞዴል ሓረስታይ ተባሂሎም ንሽልማት በቕዑ፣ እቲ ክኢሊ ሕርሻ ነቲ ናይቲ ከባቢ ማሕበረሰብ ኣኪቡ „ናይ ኣቦይ እከለ ብሳሊ መዲበርያ ዝሃብናዮም ከምዚ ኢለ ፍለይ ኮይኑ፣ እነሆ ድማ እዚ ምህርቲ ረኣዩዎ‟ እናበለ ክጃሃር ወዓለ። እቶም ገባር ግና ምሽጥር ዓወትኩም እንታይ እዩ ተባሂሎም እንትሕተቱ ናይ ጥሪተይ ድኹዒ እዩ ፅቡቕ ምሕርቲ ክሓፍስ ዘኽኣልኒ‟ ብምባል እቲ ብግድዲ ዝወሰደዎ መዲበርያ ከምዘይትጠቐሙ የግዳስ ኩዒቶም ከምዝቐበሩዎ ተዛረቡ። 

ኣብዚ ክንርድኦ ዘለና መዲበርያ ዘመናዊ ድኹዒ/ዘይጠቅም ኮይኑ ኣይኮነን፣ ኣብዚ ዘርእየና ሓድነገር እንተሃለወ ኣብ መንጎኦም ብዝተፈጠረ ትዕቢት ዝወለድ ዘይምቅድዲው ሃፍቲ ባኺኑ ምትራፉ እዩ። እቲ ክኢሊ ሕርሻ ዋላ ድኣ ብዛዕባ ሳይንስ ሕርሻን ስነ ዝራእትን ዝተመሃረ ይኹን እምበር ካብ ዝፍጠሩ ጀሚሮም ኩነታት ግራውቶም ብግቡእ ንዝፈልጡ ሓረስታይ ኣነ ዝፈልጠልኩም ግበሩ ምባለ ልክዕ ኣይኸውንን። ብኣንፃሩ እዚ ክኢሊ ሕርሻ ትሕትና ገይሩ ብዛዕባ እንታይነት እቲ መሬትን ኣጠቓቕማ ድኹዕን ኣረዱኡ "ኣቦይ እታ ሳይነስ እዚኣ እያ ትብል ንስኹም ድማ ዕድመኹም ልክዕ ዘጥረኹምዎ ልምዱ ኣሎ እሞ ከመይ እንትኸድና ይሓይሽ" ኢለዎም እንተዝኸውን ዝበለፀ ዓወት ምተመዝገበ ነይሩ።

"እሂን ምሂን እንተሰሪሕና ኣብ ቀረባ እዋናት ካብ በሰላ ኲናት ቀልጢፍና ሓዊና ፀብለልታ ኣርኢና ብዓወት መሰስ ከምእንብል ኣየጠራጥርን።"


ብፍሊይ ንዓና ንተጋሩ ኣብ ክንዱ እሂን ምሂን ምብህሃል ኣነ እየ ዝፈልጠልካ ዝብል ትዕቢት ዝተመልኦ ኣካይዲ ንብዙሕ እዋናት እናጎድኣና መፂኡን ኣሎን። ስለዝኾነ ንሕና ተጋሩ ኣብ ሕርሻ፣ ትምህርቲ፣ ጥዕና ይኹን ካልኦት ዓውድታት ብእሂን ምሂን እንተሰሪሕና ኣብ ቀረባ እዋናት ካብ በሰሊ ኲናት ቀልጢፍና ሓዊና ፀብለልታ ኣርኢና ብዓወት መሰስ ከምእንብል ኣየጠራጥርን።

ከም እምነተይ እንተድኣ ኾይኑ እሂን ምሂን ካብ ስድራ እዩ ዝብገስ። እስኪ ንነብስና ንሕተት ክንደየናይ ኢና ንደቅና ብዛዕባ ዝኾነ ሓሳብ ኣዋጊዕና ሓሳባቶም እነዲምፅን እንቕበልን? እናወቓዕናን እናፈራራሕናን ሓሳባቶም ብነፃነት ከይገልፁ ድ ኣይንገብርን? ኣብ ገዛና ስበይቲ ዝበለቶ ኣይኸውንን ሰብኣይ ዝበሎ ጥራሕ እዩ ልክዕ ድ ኣይንብልን? እምባር ከስ ክኸውን ዘለዎ፦ ኣነ ከምዚ ሓሲበ ኣለኹ እንታይ ንግበር? ደቀይ ከ ብዛዕባ እዚ ጉዲይ እንታይ ምበልኩም? ብምባል ስድራና ኣብ ናይ ሓሳብ ልዕንናን እሂን ምሂንን ዝተመስረተ ስኒት ዝተመልኦ ምስ ዝኸውን እዩ ከም ማሕበረሰብ ኢለ እውን ከም ትግራይ ለውጢ ዝመፅእ። እዚ ብምግባር ጥራሕ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ጭቡጥ ለውጢ ክመፅእ እዩ እኳ እንተዘይተበሃለ፣ ግን ድማ ነዚ ዘተኣናግድ ጥጡሕ ባይታ ተፈጢሩ ብእሂን ምሂን ዝኣምኑ ምሁራት ይኹኑ ካልኦት ተኣኪቦም ንትግራይ ዓድና ዝጠቕሙ ጉዲያት ክዝተየሎም ብምግባር ዓውታት ክምዝገቡ ይኽእለ እዮም።

ትግራይ እትለምዕ ብዙሓት ፋብሪካታት ስለ ዝሃነፅና ጥራሕ ኣይኮነን። ካብ ምትሕኑዃል ወፂና  ስኽን ኢልና መን ኣብ ምንታይ ዓውዱ ይሰርሕ፣ ከመይ ንኺድኢልና እሂን ምሂን ብምብህሃል ብፍሊይ ምሁር ሓይሉ ትግራይ እንተተረዲዱኡን እንተተሳንዩን ትግራይ ከም እስራኤል ጥራሕ ዘይኮነስ ከም ካልኦት ዝማዕብሊ ዓድታት እውን ዘይትኾንለ ዋሊ ሓደምኽንያት የለን።

ምዕብልቲ ትግራይ ኣብ ርእስና ትህነፅ!


ሕውየት ብጥበብ!

HEALING THROUGH WISDOM!
ብጋዜጠኛ፡- ዘርኡ ገብረጅዎርግስ

HAQI Foundation




in Blog